Thursday, June 25, 2015

ተሓጋጋዚ ኢንተርናሽናል ዳኛ በርሀ ተስፋገርግሽ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዳንዩ                     
Courtesy (Hadas Eritrea)

ተሓጋጋዚ ኢንተርናሽናል ዳኛ በርሀ ተስፋገርግሽ፡ ካብ 30 ግንቦት ክሳብ 20 ሰነ 2015 ኣብ ኒውዝላንድ ዝተኣንገደ፡ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ዳንዩ። ነቲ 24 ሃገራት ዝተሳተፈኦ ውድድር፡ ፊፋ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመረጾም 51 ደያኑ፡ መዲቡ ነይሩ። ካብ’ዚኦም ብቕዓቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝምደቡሉ ጸወታ እናተመዝነ፡ ንግጥም ፍጻመን ንደረጃን ዝመርሑ 12 ደያኑ ተሓርዮም ተረፉ። ኤርትራዊ በርሃ ተስፋገርግሽ ምስ ጉጅለኡ፡ ምስራዊ ማእከላይ ዳኛ ግረሽያ፡ ከምኡ ድማ ሱዳናዊ ተሓጋጋዚ ዳኛ ወሊድ ዓሊ፡ ብምዃን፡ ክሳብ መወዳእታ ገጻት ናይ ግጥማት ብምብጻሕ፡ ንግጥም ደረጃ ሃገራውያን ጋንታት፡ ማሊ ኣንጻር ሰኔጋል ዳንዩ። ተሓጋጋዚ ኢንተርናሽናል ዳኛ በርሀ፡ ፈለማ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት፡ ግጥም ኦስትርያ ኣንጻር ፓናማ፡ ቀጺሉ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ፡ ማሊ ኣንጻር ጋና ምስ ዳነየ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ደረጃ ግጥም ኣብ መንጎ ሰኔጋልን ማሊን መሪሑ። ኣብ’ቲ ብርክት ዝበለ ፍጻመታት ዘኣንገደ ግጥም፡ ኦስትርያ ኣንጻር ፓናማ፡ ተሓጋጋዚ ኢንተርናሽናል ዳኛ በርሀ ተስፋገርግሽ፡ ብዘርኣዮ በስለት ዝመልኦ ኣመራርሓ፡ ከም በዓል ሃዋርድ ወብን ማሲሞ ቡሳካን ናይ ዝኣመሰሉ ሓለፍቲ ዳንነት ኣብ ፊፋ ኣድናቖት ከትርፍ ከም ዝኸኣለ ተፈሊጡ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናብ ዝሰዓበ ዓበይቲ መድረኻት ክሰግር በቒኡኡ።
ኢንተርናሽናል ተሓጋጋዚ ዳኛ በርሀ ተስፋገርግሽ፡ ኣብ ቦኽሪ እግሩ፡ ንኸም’ዚ ዝበለ ዓቢ ውድድር፡ ክሳብ መዛዘሚ ምብጽሑ ዘሐብን ደረጃ እዩ። እዚ ድማ ንኩዕሶ እግሪ ሃገርናን ደያኑናን ዓቢ ፍናን ኮይኑ ኣሎ። ኢንተርናሽናል ተሓጋጋዚ ዳኛ በርሀ ተስፋገርግሽ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ሰኔጋል ንዝተኻየደ ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብብቕዓት ካብ ዝዳነዩ ብምዃን’ዩ ብፊፋ ተመሪጹ እዩ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ክሕረ ዝበቕዐ።

No comments: